መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መፍረዪ ቴክኖሎጂታት ኤሮ-ስፔስ ንምምዕባል ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መፍረዪ ቴክኖሎጂታት ኢንዱሰትሪ ኤሮ-ስፔስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምምዕባል እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው÷ ዝተፈላለየ መለዋወጢታት ኣካል ኣውሮፕላን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብስፍሓት ንምፍራይ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ውሽጣዊ ኣካል ኣውሮፕላን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብስፍሓት ንምፍራይ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ÷ እዚ ድማ ንኢትዮጵያ መፍረዪ ኢንዱስትሪ ኤሮ-ስፔስ ንምድንፋዕ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ኣመልኪቶም፡፡

መለዋወጢ ውሽጣዊ ኣካላ ኣውሮፕላን ኣብ ውሽጢ ሃገር ምፍራዪ ሸርፊ ወፃኢ ንምትራፍ፣ ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ስግግር ቴክኖሎጂ ንምምፃእን ከምዘኽእል እውን ተገሊፁ፡፡

ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቂሊንጦ ውሽጣዊ ኣካላት ኣውሮፕላን ንምፍራይ ዘኽእል ስምምዕነት ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2015 ዓ.ም ምስ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ከምዝተፈራረመ ይዝከር።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment