መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ናይ በረራ ኣድማሱ ንምስፋሕ ዘኽእሎ ምኽክር ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ናይ በረራ ኣድማሱ ንምስፋሕ ዘኽእሎ ምኽክር ተኻይዱ።

እቲ ምኽክሩ፥ ብሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ዋና ተደራዳሪ መገዲ ኣየር ካናዳ ሸንድራ ሜሊያን ተደራዳሪ ጉጅለኦምን ዝተገበረ ኢዩ፡፡

ብምባሳደር ምስጋኑ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ÷ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ፍፁም ኣረጋን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ጉዳይ ብዝበለፀ ንምፍታሽ ብምሕሳብ ድማ ክልቲኦም ወገናት ዝገብሩዎ ምኽክር ንኽቕፅል ከምዝተስማዕምዑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment