ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዘህነፆ ማእኸል ኢኖቬሽን ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብምትሕብባር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኮሪያ (ኮይካ) ዘህነፆ (ኢኖቪስ ኬ ኢትዮጵያ) ዝተብሃለ ማእኸል ኢኖቬሽን ኣመሪቑ።

እቲ ማእኸል ኣብ ውሽጢ ኣይሲቲ ፓርክ ዝተሃነፀ እንትኸውን÷ ንስታርት ኣፕታትን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ብመሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ተሓጊዞም ዝውገኑ ተግባራት ሃሓጋዚ ማእኸል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ዴዜታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ÷ እቲ ማእኸል ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢትዮጵያ ብፅሒቱ ከማዝዋፃእ ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ፈጠርቲ ስራሕ ሰብ ሞያ ስታርትኣፕ ሓሳባት ንምምዕባል ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ኮይካ ዶንግ ሆ ኪም ብግደኦም÷ ኮይካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓውዲታት ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment