ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ናይ ሓደ ሓደ ኤምባሲታት ዕስለ መግለፂታት ተቐባልነት ከምዘይብሎም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ሓደ ሓደ ኤምባሲታት ዘውፅኡዎም ናይ ዕስለ መግለፂታት ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ እቲ ሚኒስቴር ነብዩ ተድላ ዓበይቲ ምንቅስቓሳት ዲፕሎማሲ እታ ሃገር ኣመልኪቶም ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሓደ ሓደ ኤምባሲታት ዘውፅኡዎም ሓበራዊ መግለፂታት ካብ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ዲፕሎማሲ ዝጠሓሱ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓፈ ሰሙን ዓለም ለኸ መዓልቲ ፕሬስ ምኽንያት ብምግባር ሓደ ሓደ ኤምባሲታት ብሓባር ዝሃበኦ መግለፂ ኣካል ናይዚ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ናይ ዕስለ መግለፂታት ከምዘይትቕበል እቶም ኣቐባሊ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናፅነት ፕሬስ ንኽኽበር ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ “ቅድሚ ሕዚ ተራኢዩ ብዘይፍለጥ መልክዑ ቁፅሪ ነባርን ሓደሽቲን ዲጂታል ሚዲያታት ምስፍሕፋሕ ናፅነት ፕሬስ እናዓበየ ምምፅኡ ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም።

መሰል ናፅነት ፕሬስ ክኽበር ዝግበኦ ኣብ ውሽጢ ማዕቐፍ ልዕልነት ሕጊ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment