ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንጎስጓስድ #ውቅብቲኢትዮጵያ ዝውዕል 14 ሚሊየን ብር ከምዝኣከበ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ንዝተገበረ ጎስጓስድ #ውቅብቲኢትዮጵያ ዝውዕል 14 ሚሊየን ብር ከምዝኣከበ ገሊፁ።

እቲ ገንዘብ፥ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዝተረኸበ ደገፍ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ፥ ንምዕዋት እቲ ጎስጓስ ግምቶም 22 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ዝኾኑ 15 ሞዴል ሽቓቓት ባዕልቶም ንምህናፅ ቃል ዝኣተዉ ኣብ ሕቡራት ኢሜሬትስ ዓረብን ኣሜሪካን ዝነብሩ ኣባላት ዲያስፖራ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ነቲ ጎስጓስ ዝግበር ደገፍ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ካብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ በዝምልከት፥ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 27 ሺሕ ፍልሰተኛታት ምምላስ ከምዝተኽኣለ ምዝራቦም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#ውቅብቲኢትዮጵያ

Comments (0)
Add Comment