ማሕበር ፋይናንስ ናውቲታት ካፒታል ኢትዮጵያ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ፋይናንስ ናውቲታት ካፒታል ኢትዮጵያ ተጣይሹ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ፣ ሓለፍቲ ስራት ሚኒስቴር ገንዘብን መዳርግቲ ትካላትን ተረኺቦም።

ምጥያሽ እቲ ማሕበር፥ ኣብ ኢንደስትሪያላይዜሽንን መካናይዜሽን ግብርናን ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብቲ ዓውዲ ዝተተለሙ ሃገራዊ ትልሚታት ንክዕወቱ ግድኡ ከምዝዋፃእ ተገሊፁ።

ደቀቕቲ፣ ኣናእሽቱን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ዝጋጥመን ፀገም ሊዝ ፋይናንስ ብዝተዋደደ መገዲ ንምፍታሕ አውን ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያን ኣካቢ ቦርድ እቲ ማሕበርን ዮሃንስ ኣያሌው (ዶ/ር)፥ እቲ ማሕበር ንካፒታል ፋይናንስ ምቹእ ኩነታት ብምፍጣር ሕፅረት ማሽነሪ ንምፍታሕ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ መፍትሒ ዝህብ ከምዝኾነ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment