ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንልዕሊ 255 ሺሕ ክፋላት ማሕበረሰብ መኣዲ ኣንጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንልዕሊ 255 ሺሕ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ክፋላት ማሕበረሰብ መኣዲ ኣንጊዱ።

ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኩለን ክፍላተ ከተማን ትካላት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ትሑት እቶት ንዘለዎም ወገናት መኣዲ ኣንጊድና ኢለን።

ሰሪሖም ካብ ዝረኸብዎ ንወገኖም ምክፋል ባህሊ ካብ ዝገበሩ ለባማት ሰብ ሃፍቲ ከተማናን ወለንታዊያንን በስም ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ አመስግን ክብላ ገሊፀን።

Comments (0)
Add Comment