ምውፋር ስራሕን ህንፀት ዓቕሚ ክእለትን ሰብ ሞያ ጥዕና ንምድንፋዕ ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ምውፋር ስራሕን ህንፀት ዓቕሚ ክእለትን ሰብ ሞያ ጥዕና ንምድንፋዕ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ጠሚተን ምስ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃያት ካሚል ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአነ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝርከቡ ዓውዲታት ጥዕና ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ከምዝተዛተያ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘሎ ዓቕሚ ንዕዳጋ ስራሕ ብምቕራብ ንዜጋታት ሃገርን ንምጥቃም ከምኡአ ውን ስግግር ቴክኖሎጂ ንምቅልጣፍ፣ ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያ ጥዕና ብብርኪ ዓለም ግልጋሎት ሕክምና ብመሃብ ናይ ባዕለን ግደ ንኽፃወቱ ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሓ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment