ርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ከበደ ምስ ተወከልቲ ውሕመ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ኣባላት ካቢኔ እቲ ክልልን ምስ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኲናት ዘጋጠመ ዕንወት መሊስካ ንምህናፅ ግደ ትካላት ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታትን ዘጋጠሙ ሰብኣዊን ኢኮኖሚያዊ ቅልውላዋት ኣመልኪቶም ውን ነቶም ተወከልቲ ውሕመ መብርሂ ሂቦም።

በቲ ኲናት ልዑል ሃፍቲ ከምዝዓነወ ብምሕባር÷ ብዙሓት ሰብኣዊ ቅልውላዋት ከምዝበፅሑ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም፡፡

ዘጋጠሙ ዕንወታት መሊስካ ንምህናፅ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ዘጋጠመ ጉድኣት ሰፊሕ ስለዝኾነ፤ ግደ ሓገዝቲ ትካላት ብዝበለፀ ክጠናኸር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ተወከልቲ ውሕመ ብግደኦም ኣብቲ ክልል ንዘጋጠሙ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምዘቅርቡን ንዘላቒ ልምዓት መሓዙት ብምዃን ከምዝሰርሑን ምግላፆም ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment