ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእሉ ስራሕቲ መስራሕ ይግበአና-ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ጂቡቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእሉ ስራሕቲ መስራሕ ይግበአና ከብሉ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ጂቡቲ ድልኤታ መሓመድ ድልኤታ ተዛሪቦም።

ሎሚ ኣብ ዝተሳለጠ መበል ሻድሻይ ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተረኸቡ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ሕውነት ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ ዓማውቲ ከምዝተጀመረ ኣዘኻኺሮም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያን ጂቡቲን ብምዃን ከምዝሰርሑ ብምግላፅ፥ ክልቲአን ሃገራት ብምቅርራብ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ንምጥንኻር ፃዕሪ ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

ሕውነት ክልቲአን ሃገራት ሓቃዊን ልባዊን ኢዩ እውን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዓባይ ዓዲ ኢያ፤ ኢጋድ ኣብ ምጥንኻር ከምኡውን ብኢኮኖሚን በዝሒ ህዝብን ብፍላይ ብዲፕሎማሲ ብባህሊን ስነ ፅሑፍን ልዑል ቦታ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ስራሕ፥ ርክብ ኢኮኖሚ፣ ባህሊ፣ ቱሪዝምን ስፖርቲን ክልቲአን ሃገራት ነክጠናኸር ባህጊ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ብየሻምበል ምህረት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment