ሰብ ሃፍቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ተሳትፎ ኢንቨስትመንትን ንግዲን ንከጠናኽሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ኣካቢ ቤት ምኽሪ ንግዲ ስዑዲ ዓረብ ሓሰን ሙጂብ ኦል ህዋይዚ ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ሰብ ሃፍቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ተሳትፎ ኢንቨስትመንትን ንግዲን ንከጠናኽሩ ኣምባሳደር ታዬ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰብ ሃፍቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ንምስሓብ ሰፊሕ ስራሕቲ ምምሕያሽ ንምስራሕ ንኢንቨስትመንት ዝኸውን ምዕሩይ ከባቢያዊ ኩነታት ትፈጥር ከምዘላ ተዛሪቦም።

በቲ ዝተፈጠረ ምዑሩይ ኩነታት ሰብ ሃፍቲ ስዑዲ ዓረብ ተረባሕቲ ንክኾኑ ሓቲቶም።

ሓሰን ሙጂብ በግደኦም፥ ሰብ ሃፍቲ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኢንቨስትመንትን ንግዲን ብፍላይ ኣብ ምቅንብባርን ምፍራይን ፍሪያት ግብርና ንምስታፍ ልዑል ባህጊ ከምዘለዎም ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment