ሰብ ሃፍቲ ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ምግባር ከምዝደሊዩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ምግባር ከምዝደሊዩ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር፣ የመንን ኢራንን ፈይሰል ኣልይ ምስ ዳይሬክተር በዓል መዚ  ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ ኣብ ኳታር ሱልታንአል ሳዓዲን ልኡኾመን ዘቲዮም።

ኣምባሳደር ፈይሰል፥ ኩባኒያታት ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓውድታት ሆቴል ቱሪዝም፣ ተሓዳሲ ሓይሊን ኣፍራዪ ኢንዱስትሪን ንክዋፈሪ ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ኣረዲኦም።

ሱልታንአል ሳዓዲ ብግደኦም፥ ሰብ ሃፍቲ ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ምግባር ከምዝደሊዩ ምዝራቦም ኣብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment