ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ድሬዳዋ ዝተፈላለዩ ሹመታትን ኣዋጃትን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንክልተ መዓልቲታት እናተኻየደ ዝፅንሐ 3ይ ዘበን ስራሕ 3ይ ዓመት 7ይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ድሬዳዋ ዝተፈላለዩ ሹመታትን ኣዋጃትን ብምፅዳቕ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ጉባኤ ከንቲባ ምምሕዳር ድሬዳዋ ከድር ጁሃር ብዘቕረቡዎ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመት 2016ን ፈፃምቲ ስራሕን ግልጋሎት ማዘጋጃ ቤትን÷ በቲ ጉባኤ ሰፊሕ ልዝብ ምስተገበረሉ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅቑዎ።

ካብ ፀብፃብ ፈፀምቲ ስራሕ ብተወሳኺ ፀገማት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ድሬዳዋ ብዝሐሸ ብርኪ ንምቅላል ዝተሰናድኡ ረቀቕቲ ኣዋጃት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ ስሩዕ ጉባኤ ካብ ረቂቕ ኣዋጃት ብተወሳኺ÷ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ምምሕዳር ድሬዳዋ ብሓላፍነት ንኽመርሓ ንፅጌረዳ ክፍሌን (ዶ/ር)፤  ኣቢያተ ፍርዲ ምምሕዳር ድሬዳዋ ዝመርሑ ሓሙሽተ ዳያኑን ብምሻም ከምዝተዛዘመ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment