ስራሕቲ ህንፀት ብምኽኒያት ልምዓት ኮሪደር ዝተልዓለ ህንፃ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ  ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ህንፀት ብምኽኒያት ልምዓት ኮሪደር ዝተልዓለ ህንፃ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ  ተጀሚሩ።

ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ እቲ ህንፀት፥ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፣ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ፣ ሓለፍቲ ስራሕ ቤተ ክርስቲያንን ምምሕዳር እታ ከተማን ተረኺቦም።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ ፕላንን ልምዓትን ከተማ ነክሕሎ ኢሉ እውን ኣዲስ ኣበባ ንክትለምዕ፣ ክትዝምንን ዝሓሸ ዲዛይን ነክትግበርን ብዙሓት ምትሕብባራት ገይራ ኢያ ኢለን።

ነዚ እውን ሎሚ መዓልቲ ስራሕቲ መሊስካ ምህናፅ ዝተጀመረ ህንፃ ሓደ ከምዝኾነ ሓቢረን።

እቲ ሓዱሽ ህንፃ፥ ካብ መሬት ንታሕቲ ንኣገልግሎት ፓርኪንግ መኪና ዝውዕል ከምዘለዎ ገሊፀን።

ብሓፈሻ ዘበናዊ በዓል ኣርባዕተ ደብሪ ብምዃን ከምዝህነፅ ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment