ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ደሴ ኣብ ፀገም ኮይንካ ዘዕግብ ስራሕ ምስራሕ ከምዝከኣል ዘርእዩ ኢዮም – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ደሴ ኣብ ፀገም ኮይንካ ዘዕግብ ስራሕ ምስራሕ ከምዝከኣል ዘርእዩ ከምዝኾኑ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዝተመርሐ ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ከተማ ደሴ ዝተወገኑ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቡ።

ኣብታ ከተማ ብተሳትፎ ህዝቢን መንግስቲን ዝተሰርሑ ልምዓታት ኮሪደር በቶም ሓለፍቲ ከምዝተጎብነዩ ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ከተማ ደሴ ሳሙኤል ሞላልኝ ገሊፆም።

ኩለመዳይ ምስሊ እታ ከተማ ዝቕይሩ መገዲታት ኣስፋልት፣ ህንፀት መናሃሪያን ስራሕቲ ፅባቐ ከተማን ኣካል እቲ ዑደት ነይሮም።

ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ኣደም ፋራህ÷ “ኣብ ከተማ ደሴ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ፀገም ኮይንካ ዘዕግብ ስራሕ ምስራሕ ከምዝከኣል ዘርእዩ ኢዮም” ኢሎም።

ከተማ ደሴ ሰላማ ሓሊያ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ተምሳሌት ክትከውን ከምዝኸኣለት ምግላፆም እውን ኣሚኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment