ስራሕቲ ፅገና መስጊድ ኣልነጃሺ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ፅገና ታሪካዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ከምዝጅምር ሚኒስቴር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሚንስቴር ቱሪዝም ምስ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ በርክ ባራን ብመሰረት ዝገበሮ ተኸታታሊ ዘተ፥ መንግስቲ ቱርኪ ነቲ መስጊድ ንምፅጋን ኣድላዪ ደገፍ ገንዘብን ቴክኒክን ንምግባር ዘኽአል ስምምዕነት ተገይሩ።

ስለዝኾነ ደረጅኡ ዝሓለወ ስራሕቲ ፅገና ንምግባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ ኣብ ማሕባራዊ ሚዲያ እቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ስራሕቲ ፅገና እቲ መስጉድ፥ ታሪካዊ ትሕዝትኡ ንትውልዲ ሓሊዩ ምትሕልላፍ ብዘኽእል መገዲ ኣብ ቀፃሊ ሰሙን  ክጅምር ኢዩ ተባሂሉ።

Comments (0)
Add Comment