ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ንኣፍሪካ ዝገብሮ ደገፍ ንከጠናኽር ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ብፈተናታት ኩሉ ዝተሳገረ ዘይብዳህ ፅንዓት ምርግጋዕን ፍርያትን ኢኮኖሚ ናይ ዘቐደመ መሓዉር ሰራሕቲ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ መርኣያነት የርእይ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)፥ ኣብ መበል 21 ዓለም ለኸ ጉባኤ መማልኢ ማሕበር ልምዓት(ኣይ ዲ ኤ) ይሳተፉ ኣለዉ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ብብሄራዊ ኮሚሽን ዘተ ዝተመርሐ ስራሕቲ ዘተን ዕርቅን፥ መግለፂ ባህግናን ትምኒትናን ሰላም ኢዮም ኢሎም።
ኢትዮጵያ ትምህርቲ ተበፃሒ ብምግባር ኢሉ እውን ብምብቃዕ 2 ሚሊየን ሓደሽቲ ስራሕቲ ንምፍጣር ዓሊማ ኣላ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ምስ ሓምለዋይ ኣሰር ዝሳነዩ ጎስጓሳት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኹሉ ክበፅሕ ምግባር፣ ዲጂታል ስግግርን ናይ ተፈጥሮ ከባቢን ምክንኻን ተግባራት ንምክያድ ጠመተ ገይራ ኣላ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ንኣፍሪካ ዝገብሮ ደገፍ ንከጠናኽር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment