ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)  በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)  በዓል ትንሳኤ 2016 ዓ.ም ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ መከራን ሞትን፣ ግፍዕን ግዕዝይናን፣ ሲኦልን መቓብርን ስዒሩ ዝተልዓለሉ በዓል ትንሳኤ በቢዓመቱ ነኽብር ኢና ኢሎም።

ሰሞነ ሕማማት፥ ፈተና፣ ስቓይ፣ ክሕደት፣ ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ ምትሕብባር ክፉኣት እናሓስበሉ ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ሓሶት ዝሰዓረት ሓቂ ዝተስዓረት መሲላ ዝተርኣየትሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብዙሓት መስዋእትነት ብምፍራሕ ዝተሓብኡሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ገለገሊኦም ድማ ዝሓልፍ ውሑጅ ወሲዱዎም፤ ሓደ ሓዲኦም ዝሰኸነ ማዕበል ውሒጡዎም፤ ውሑዳት ድማ ካብ ሕማማት ሓሊፎም ትንሳኤ ንምርኣይ ዝበቕዑሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሰባት ዘይተረድእዎ ሓደ ሓቂ ከምዝነበረ ብምዝራብ፥ ካብ ሕማማት ትንሳኤ ከምዝበልፅን ዝነውሕን ገሊፆም።

ሕማማት ሓሙሽተ መዓልታት እንትኸውን ትንሳኤ ድማ ብ10 ዕፅፊ ኢዩ ዝበልፅ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብፈተና ኢያ ዝሓልፍ ዘላ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ፈተና ደው ዝበለት ሃገር ግን ኣይኮነትን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዘላቶ ከምሰሙነ ሕማማት እንትኸውን፥ እቲ ፈተና ሓፂር፣ ከቢድን ኢዩ። ይኹን እንበር ኢትዮጵያ ነዚ ሕማማት ናይ ምሕላፍ ዓቕሚ ዘለዋን ድሕሪ ሕማማት ትንሳኤ ኢትዮጵያ ዝረጋገፀሉን እዋን ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ከም መንግስቲ፥ ኣብ ፊስካል ፖሊሲ፣ ግብርና፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ፣ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ ምምሕዳር ነፃነት፣ ኣወዳድባ ክልል፣ ሲቪል ሰርቪስ፣ ሓበራዊ ህንፀት ያታ ወዘተ ዝተረከብናዮም  ውዙፋት ዕዳ ብዙሓት ኢዮም ኢሎም።

እቶም ፀገማት እንተዘይፈቲሕናዮም ስሉጥ ኣብ ዝኾነ ዓለም ቀስ ኢልና ምጓዓዝ ኣይንኽእልን ብምባል፥ ቀልጢፍና፣ ሓሲብናን ዋጋ ከፊልናን ክንጓዓዝ ኣለና ክብሉ ገሊፆም።

ምክንያቱ ኢትዮጵያ ነቲ ሕማማት ንምሕላፍ ዘኽእል ናይ ፈጣሪ፣ ህዝቢ፣ ኣመራርሓን ሃፍቲን ዓቕሚ ስለ ዘለዋ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment