ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኤክስፖ ስትራይድ ኢትዮጵያ መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኤክስፖ ስትራይድ ኢትዮጵያ መሪቖም ከፊቶም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ኣፈ ጉባኤታት ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ሚኒስትራት፣ ዲፕሎማትን መዳርግቲ ኣካላት ዓውዲ ቴክኖሎጂን ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ስራሕቲ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ንምዕዋት ምትሕብባር ይሓትት ኢሎም።

ኣብ ፓርክ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ፓርክ ዓውዲ ግብርና ንምዝማን ጅምር ስራሕቲ መህዞ ምርኣዮም ገሊፆም።

ህንፀት ስማርት ከተማ ዘሳለጥ፣ ምውዛዕ ሓይሊ ብትኽክል ንተረባሕቲ ዘብፅሑን ብኽነት ዝቕንሱን ስታርት ኣፓት፣ ዓለም ለኸ ደረጀኦም ዝሓለዉ ማእኸላት ዳታ ምህላዎም ንሃገር ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

ማእኸላት ዳታ ናይ መንግስቲን ውልቀን ትካላት ብኣግባቡ ብምጥቃም ሓበሬታ ምኽዛንን ንምዕባለ ሃገር ብኣግባቡ ምጥቃምን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዓለም ኣብዝሓ ሃፍታ ናብ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ይኣቲ ከምዘሎ ምርዳእን በዚ ልክዕ ተረባሒ ዝገብር ዝተዋደደ ፃዕሪ ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያን ብሒሳበን ሳይንስን ዘለዎም ፍሉይ ክእለት ንምጥቃም፣ መነግስቲ 5 ሚሊየን ኢትዮጵያዊያን መመዕበልቲ ፕሮግራም ቴክኖሎጂን ኮምፒውተርን (ኮደርስ) ምስልጣን ዘኽእለ ኢንሼቲቭ ከምዘጀምር ሓቢሮም።

ቴክኖሎጂ ንባዕሉን ሃገሩን ረብሓ ዘውዕል ትውልዲ ምፍጣር ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment