ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ቀ/ሚ ካናዳ ስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ቫይረስ ኮሮና ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ብስልኪ ተዛቲዮም።

እብቲ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ዝርገሐን መከላኸሊ መገዲታትን እቲ ቫረስ ኣድሂቦም ምዝታዮም ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

ብተወሳኺ ልምዲ ንምልውዋጥን ካልኦት ኣማራፂታት ንምውሳድን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment