ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ሕቡራት ኢሚረታት ዓረብ ከተማ ኣቡዳቢ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ሕቡራት ኢሚረታት ዓረብ ከተማ ኣቡዳቢ ኣቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣቡዳቢ እንትበፅሑ፥ ዘውዳዊ ልኡልን ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሕቡራት ኢሚረታት ዓረብን ሞሃመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ክልተኣዊ ርክቦም ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሎም ጉዳያት ኣድሂቦም መኺሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ነዓይን ጉጅለ ልኡኸይን ዝተገበረልና ድሙቕ ኣቀባብላ፣ ንሓወይ ልኡል ሼክ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ነህያን ምስጋና ይብፃሓዮ” ኢሎም።

ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ ብምግላፅ፥ ካብዚ ብተወሳኺ እውን ምትእስሳር ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ኣብ ዝጠናኸረሉ ኩነታት ክዝዘተዩ ፀሪሖም።

ብኣልኣዛር ታደለ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment