ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ጠሚቶም ምስ ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ጠሚቶም ምስ ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ከይዲ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ምንታይ ብርኪ ከምዝርከብ ሓፈሻዊ ገምጋም ከምዝተገበረ ዘዘኻኸሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ሎሚ መዓልቲ ድማ ዳግም ምስ ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን መራሕቲ ስራሕ ልምዓት ኮሪደርን ብምርኻብ ኣብ ጉዳይ ስጉምቲ ስራሕትና ጥልቀት ዘለዎ ዘተ ኣካይድና” ክብሉ ገሊፆም፡፡

“እዞም ስራሕትና ጉዳያት ህንፀት ጥራሕ ኣይኮኑን፤ እኳደኣስ ከተማና ናብ ዝለዓለ ምቹው፣ ንቑሕን ዘላቂ መንበሪ ከባቢን ናይ ምልዋጥ ፃዕሪታት ኢዮም” ክብሉ እውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብሪሆም።

ስነ ፅባቐ ብምድንፋዕ፣ ሓምለዋይነት ብምስፋሕ ኢሉ እውን መሰረተ ልምዓት ብምምሕያሽ ጥዕና ህዝብና ካብ ምሕላው ሓሊፉ ዕድላት ስራሕ እውን እናፈጠርና ንርከብ” ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።

እዞም ሓበራዊ ፃዕሪታት÷ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምብራኽ፤ ንጠለብ ኩሎም ነበርታ ዝተመቸወት ከምዝገብሩዋ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment