በዓል መስቀል “መስቀል ንሰላምን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ትግራይ ክኽበር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም “በዓል መስቀል ንሰላምን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ትግራይ ከም ዝኽበር ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፅብሃ ገብረግዚኣብሄር (ዶ/ር)ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ÷ “በዓል መስቀል ሃይማኖታውን ባህላውን በዓል ብምዃኑ መላእ ህዝቢ ዝሳተፈሉን ተፈላልዮም ዝነበሩ ኣዝማድን መሓዙትን ዝራኸብሉ፣ ፍቕሮም፣ ምትሕግጋዞምን ካልኦት ማሕበራዊ ርክባትን ዝጠናኸረሉ ኢዩ” ኢሎም።

በዓል መስቀል ብርክት ዝበለ ረብሓታት ከምዘለዎ ዝገለፁ ዶክተር ኣፅብሃ÷ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ሕማም ኮሮናን ኲናትን እቲ በዓል እናተኸበረ ከምዘይነበረ ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት ግና በቲ መሪሕ ሓሳብ ተሰንዩ ከምዝበዓል ብምሕባር÷ በዓል መስቀል ንምብዓል ኣብ ዝግበሩ ሓበራዊ ፀወታታትን ደርፍታትን እቲ ዝነበረ ልዑልን ጥንኩር ስነ ልቦና፣ ሓድነት፣ ሓልየትን ምትሕብባርን ኣብ ምምላስ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

“በዓል መስቀል ንዘበናት ሒዝናዮም ዝፀናሕና ሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ብሰፊሑ ዝሕለወሉን ዝንፀባረቐሉን ብምዃኑ ባህልናን ትውፊትናን እናፋለጥናን እናስፋሕናን ባህልና ክዕቀብን ክሰፍሕን ምግባር የድሊ” ክብሉ ኣገንዚቦም።

ምስሊ ትግራይ ኣብ ምቕያር÷ መፋለጥን መጥቀሚን ከምኡ እውን ማሕበራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ምድግጋፍ ዝግበረሉ፣ ተበታቲኑ ዝነበረ ዝራኸበሉን ተዳኺሙ ዝነበረ ኢኮኖሚ ኣብ ምንቕቓሕን ዝፃወቶ ግደ ዓብይ ከምዝኾነ እውን ዶክተር ኣፅብሃ ሓቢሮም።

እቶም ሓላፊ÷ መላእ ህዝቢ ነዚ በዓል ንምብዓል ጥራሕ ዘይኮነ ሕውየት ኣብ ምምፃእ ዝህልዎ ግደ ልዑል ብምዃኑ በብከባቢኡ ብሰፊሑ ከብዕሎ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment