በዓል መዓልቲ ሰራዊት ምኽንያት ብምግባር ፓናል ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ መበል 116 በዓል መዓልቲ ሰራዊት ምኽንያት ብምግባር ፓናል ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ሓላፊ ዋና መምርሒ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ጄኔራል ጌታቸው ጉዲና ኣብቲ ፓናል ዘተ÷ “ኢትዮጵያ ንዘበናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከይዲታት ታሪኽ እናሓለፈት ኣብ ሎሚ እንትትበፅሕ ወታደራዊ ታሪኻ ዕዙዝ ቦታ ዝሕዝ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ብፍላይ ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምፅናዕ እውን ብዝተፈላለዩ እዋናት ተጋድሎን መስዋእትነትን እቲ ሰራዊት ዘይርሳዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገራዊ ድሕንነት ካብ ዝኾነ ሓደጋ እናተኸላኸለን መስዋእትነት እናኸፈለን ሃገር ክትቅፅል ኣብ ምግባር ከምዝርከብ ብምግላፅ÷ ኣብቲ ፓናል ዘተ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ምፅናዕ ብቕዓቱ ዘደንፍዑ እታወታት ዝርከቡሉ ከምዝኸውን ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ፓናል ዘተ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል፣ ተወከልቲ ማሕበር ጀጋኑ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ፣ ኣመራርሓታት ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ከምዝተረኸቡ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment