በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ንሰላም ደቂ ሰባት ብምፅላይ ክኸውን ይግባእ- ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ንሰላም ደቂ ሰባት ብምፅላይ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ቀዳማዊ ፓትሪያሪክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሊቀጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ገሊፆም።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ መልእኽቶም፥ በዓል ትንሳኤ መግለፂን መርኣያን ፍቕሪ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ ኢሎም።

እቲ በዓል እንትነኽብር ንእግዚኣብሄር ክብሪ፣ ንደቂ ሰባት ድሕንነት ብሓባር ብምስላፍ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብፍቕሪ ብምትሕስሳብን ምትሕግጋዝን ከምኡውን ብምድግጋፍ ምኽባር ከምዝግባእ እውን ምዒዶም።

Comments (0)
Add Comment