ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ንማእኸል መሓብሓቢ ኣረጋውያን፣ ሕማማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍሬምናጦስ ሓገዝ ኣምቡላንሳት ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብሓገዝ ዝረኸበን ኣምቡላንሳትን ሞተር ሳይክልን ንማእኸል መሓብሓቢ ኣረጋውያን፣ ሕማማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍሬምናጦስ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ፥ ማእኸል መሓብሓቢ ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ኣምሮን ህፃናትን ፍሬምናጦስ ኣብ ሰብኣውነት ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ ንኹሉ ኣብነታዊ ስራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ነቲ ማእኸል ምሕጋዝ ናይ ኹሉ ሓላፍነት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

መስራቲ እቲ ማእኸል ኣባ ገ/መድህን ብግደኦም፥ እቲ ማእኸል ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ዓሌትን ሃይማኖትን ከይፈለየ ዝተፈላለየ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ዘለዎም ወገናት ብምሕብሓብን ብምክንኻንን ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ኣብ ምፍፃም ይርከብ ክብሉ ገሊፆም ።

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና፥ ኣምቡላንስን ሞተር ሳይክልን ምድጋፉ ብምምስጋን ካልኦት ኣካላት እውን ነቲ ሰናይ ተግባር ክስዕብዎ ተላብዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment