ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፁ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ኣድላዪ ሓገዝ ብምግባር ምስ ሚኒስቴር ሕርሻ ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ጆናታን ንዛይኮሬራ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ሓቢሮም ክሰርሑሎም ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ብፅግዕተኝነት ዝናብ ዝድለ ዕቤት ዓውዲ ሕርሻ ምምፃእ ከምዘይከኣል እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ንጀመረቶ ስርናይን ሩዝን ብመስኖ ናይ ምልማዕ ስራሕ ሓገዝ እቲ ባንኪ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ጆናታን ንዛይኮሬራ ብግደኦም÷ እቲ ባንኪ ኣብ ኢትዮጵያ 22 ፕሮጀክታት ከምዘለዉዎ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ኣድላዪ ሓገዝ ብምግባር ምስ ሚኒስቴር ሕርሻ ንምስራሕ እቲ ባንኪ ቆራፅ ከምዝኾነ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment