ባንኪ ኣውቶን ካርበንን ሰን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፍሉይ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ኣውቶን ካርበንን ሰን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፍሉይ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ዑመር ሑሴን ምስ ማናጀር ባንኪ ኣውቶን ካርበንን ሰን ኣብዱል ጋሃኒ (ዶ/ር) ኣብ ጉዳይ ኢንቨስትመንትን ሓምለዋይ ኣሰርን ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ኣብዱል ጋሃኒ(ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ሓምለዋይ ኣሰር ዘምፀኦ ውፅኢት ንኢዶም፡፡

ትካሎምን ኣሓት ኩባንያታቱን ናብ ኢትዮጵያ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ንምምፃእ ከምኡ እውን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዘይተረኣዩ ፍሉያት ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።

እዚ ንምዕዋት ድማ ሓገዝ ንኽግበረሎም ሓቲቶም፡፡

ኣምባሳደር ዑመር ሁሴን ብግደኦም÷ እቲ ትካልን ኣሓት ኩባንያታቱን ኣብ ኢትዮጵያ ብኢንቨስትመንት ንኽዋፈሩ ብሓባር ከምዝስራሕ ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቡዳቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment