ብሄራዊ ፓርክ ጨበራ ጩርጩራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ፓርክ ጨበራ ጩርጩራ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ኣብ መንጎ ዞባ ኮንታን ዳውሮን ዘርከብን ዓምዩቕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝወነነን ኢዩ።

እቲ ፓርክ ኣብ 1997 ዓ.ም ብሕቶን ተሳትፎን ህዝብን ምምሕዳርን ኮንታን ዳውሮን ብብርኪ ብሄራዊ ፓርክ ዝተጣየሸ ኢዩ።

ስፍሓት መሬቱ ድማ 1 ሺሕን 410 ካሬ ኪሎ ሜትሮ ስኩዌር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ 475 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ይርከብ።

መንበሪ ገዚፍ ሓርማዝ ኣፍሪካ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጡ ልዕሊ 800 ሓርማዝን ልዕሊ 5 ሺሕ “ጎሽ” ዝርከብሉ ፓርክ ኢዩ።

ብተወሳኺ 40 ዓበይቲን ማእኸለዎትን መጥበውቲ ከምኡውን 18 ኣናእሽቱ መጥበውቲ እንስሳት በረኻ ኣለውዎ።

ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጨበራ ጩርጩራ ብዙሓት ዘርኢታት ኣዕዋፍ ዘርከብዎ ኢዩ።

ክሳብ ሐዚ ካብ ዝተፀንዐ ጥራሕ 137 ዘርእታት ኣዕዋፍ ዝተረኸባ እንትኾና፥ ካብ መንጎ እዚኣተን እተን 6 ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝርከባ ኢየን።

እቲ ፓርክ ብብዙሕ መገዲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘለዎ ኢዩ።

ኣብ ውሽጡ ካብ ዝርከቡ እፅዋት፥ ዝንጅብል፣ ቡና፣ ኮረሪማ፣ እንሰት፣ ዕጣንን ጌሾ ተረቋሕቲ ኢዮም።

ባሄ፣ ቡሎ፣ ሺታ፣ ቆቃ፣ ከሪቤላን ጮፎሬን ዝተብሃሉ ሽዱሽተ ቀልቢ በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝስሕቡ ወሓዝቲ ሩባታት እውን ኣለውዎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment