ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት 5 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ዞን ወረዳ ጡሎ ከተማ ደበሶ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ሓሊፉ።

በቲ ሓደጋ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ ሰባት ብተወሳኺ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል ከመዘጋጠሞም ሓላፊ መምርሒ ኮሙኒኬሽን እቲ ዞባ ፋሪድ ይስሐቅ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣረጋጊፆም፡፡

“እቲ ሓደጋ ካብ ድሬዳዋ ናብ ጭሮ እናተጓዓዘት ዝነበረት ተሽከርካሪት ደረቕ ፅዕነት ፍሬን ኣፀጊሙ ቅልጣፍኡ ምቁፅፃር ብዘይምኽኣሉ ኣብ መገዲ እናተጓዓዙ ዝነበሩ ሰባት ብምግጫዉ ዘጋጠመ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ጉድኣት ዘጋጠሞም ወገናት ኣብ ሆስፒታት ጭሮን ሂርናን ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment