ብሓደጋ ውሕጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም ኬንያውያን ህፁፅ ሓገዝ ክቐርብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይሮቢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም ሕድሕድ ስድራ ናይ ህፁፅ እዋን ሓገዝ ገንዘብ ከምዘቕርቡ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ገሊፆም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ሓደጋ ውሕጅ ዝበፅሖም ከባቢታት ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ÷ ንሕድሕድ ጉድኣት ንዝበፅሖ ስድራቤት 10 ሺሕ ሽልንግ (75 ዶላር) ሓገዝ ከምዝግበርን ብሓደጋ ውሕጅ ዝዓነዋ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝህነፃ እውን ቃል ኣቲዮም፡፡

ኣቢያተ ትምህርቲ ዳግም ቅድሚ ምኽፋቶም ብሓደጋ ውሕጅ ዝተጎድኣ ኩለን ኣቢያተ ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ 1 ቢሊየን ሽልንግ (7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር) ከምዝተመደበ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብታ ዝዘነበ ከቢድ ዝናብ ብዘስዐቦ ውሕጅ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱን ሕዚ እውን እቲ ዝናብን ውሕጅን ስለዝቐፀለ ኣብዚ ሰሙን ኣቢያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ዝተትሓዘ ትልሚ ከምዝተናወሐ ምግላፆም ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment