ብራዚላዊ ውሩይ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ፔለ ኣብ 82 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብራዚላዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ፔለ፡ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ዓሪፉ።

ፔለ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝፀንሓሎም 21 ዓመታት ኣብ 1368 ፀወታታት 1 ሺሕን 281 ሸቶታት ኣመዝጊቡ’ዩ።

ንሃገሩ ብራዚል ወኪሉ ኣብ ዘካየዶ 92 ግጥማት ድማ 77 ሸቶታት ኣቑፂሩ።

እቲ ውሩይ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ፥ ዋንጫ ዓለም ሰለስተ ግዜ ዝተዓወተ ብሕታዊ ተፃዋቲ ‘ዩ።

ኣብ 1958፣ 1962ን 1970ን ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝተኻየዱ ፀወታታት ዋንጫ ዓለም ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ተሰሊፉ ምስ ሰዓረ ሰለስተ ግዘ ነታ ዋንጫ ዓለም ዘልዓለ እንኰ ተፃዋታይ ፔለ፥ ኣብ 2000 ፊፋ ናይ ዘበንና ብሉፅ ተፃዋታይ ክብል ሰይሙዎ።

ፔለ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብኩሊትን ናይ ፕሮስቴት ሕማምን ክሳቐ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መስከረም 2021 ኣብ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልበርት ኣንስታይን  መጥባሕቲ እኳ ተገይርሉ እንተነበረ ሕማሙ ስለ ዘይሓሾ ኣብ መወዳእታ 2022 ናብ ሆስፒታል ኣትዩ።

ትማሊ ሓሙስ እቲ ብራዚላዊ ውሩይ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ  ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ።

Comments (0)
Add Comment