ብዛዕባ ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተተግበረ ዝርከብ እንትትኸውን፥ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍላጥን መዋእለ ንዋይ ሃገር ክብ ክብል ኣብ ምግባርን ልዑል ግደ ዘለዎ ኢዩ።

እቲ ፕሮጀክት ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቅድሚ ዓመታት ዝተጀመረ ኢዩ።

ናይ ጎርጎራ፣ ወንጪን ኮይሻን ዝብሉ ፕሮጀክትታት ተጠቀስቲ ኢዮም።

ፕሮጀክት ኮይሻ ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጨበራ ጩርጩራ፣ ናይ ግቤ 3ን ኮይሻ ግድባትን ናይቲ ከባቢ ተፈጥሮኣዊ መስሕባት ዘተኣሳሰር ብምዃኑ ግድኡ ልዑል ኢዩ።

ኣካል ፕሮጀክት ኮይሻ ዝኾነ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዝርከብ ብሄራዊ ፓርክ ጨበራ ጩርጩራ ኣብዚ ሰሙን ከምዝምረቕ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቲ ፕሮጀክት እቶት ኢትዮጵያ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ነቲ ከባቢ በፍላይ ድማ ፍሰት ቱሪዝም ኣብ ምውሳኽ ከምኡ ውን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ዘለዎ ግደ ልዑል ኢዩ።

ብብርኪ ሃገር ዘለዎ ሰለስቲኦም ፕሮጀክትታት ንምልማዕ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እቶት ኣብ ምትእኽኻብ ደገፎም የርእዩ ኣለዉ።

ብመሰረት እቲ ተሳትፎ ህዝቢ እቶም ፕሮጀክትታት ብህፁፅን ብፅርየትን ተሰሪሖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ንክኾኑ ከምዝግበር ምግንዛብ ይከኣል።

ኣብ ፕሮጀክት ኮይሻ ዘሎ ሪዞርት ሃላላ ኬላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ምምራቑ ይዝከር።

እተሪ ሪዞርት ክልተዓመት ኣብ ዘይመልአ ብፅርየት ተሃኒፁ ምዝዛሙ ዝዝከር ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment