ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ  ክልልዊ መረፃ ንምክያድ ዓሊሙ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዘቕረቦ ሕቶ ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፥  ክልልዊ መረፃ ንምክያድ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዘቕረቦ ሕቶ ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ።

“ኮቪድ-19 እናተኸላኸልኩ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዝእዝዞ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ስለዝተወሰነ ቦርድ ምርጫ ነቲ ውሳነ ተቐቢሉ እቲ ምርጫ ንከፈፅም፣ ምርጫ ንምክያድ ዘድሊ ሓይሊ ሰብን ሎጂስቲክስ ምድላው ንክገብርን ውሳንኡ ነቲ ቤት ምኽሪ ንከቕርብን” ክብል ሕቶ ከምዘቕረበ ኣዘኻኺቡ።

ቦድር ምርጫ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝካየደሉ እዋን ንክናዋሕ ምኽኒያት ዝኾነ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ከምብሓዱሽ ተገምጊሙ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ኩነታት ከምዝተፈጠረ ክሳብ ዝረጋገፅ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክልል እዛ ሃገር መረፃ ኣየካይድን ኢሉ።

ብተወሳኺ ምዝገባ፣ ምቁፅፅርን ምምሕዳርን ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ምስንዳእ ሰሌዳ ግዜ መረፃ፣ ካብ ፅዕንቶ ነፃ ዝኾነን ፍትሓዊን ምርጫ ምክያድ ስልጣን ዘለዎ ብሕታዊ ትካል ቦርድ ምርጫ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልሉ ሻድሻይ ዙር ክልላዊ ምርጫ ንኽካየድ ውሳነ ንምሃብ ከምኡ እውን እቲ ቦርድ ነቲ ውሳነ ተቐቢሉ ከፈፅም ይግባእ ዝብለሉ ሕጋዊ መሰረት የብሉን ኢሉ።

ብምኽኒያት እቶም ዝተገለፁ ነጥብታት እቲ ዝቐረበ ሕቶ ዘይተቐበሎ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ ዝተሓተተ ኣቕርቦት ሓይሊ ሰብ፣ ሎጂስቲክስን ናውቲን ዝህበሉ ኣግባብ ሕጊ ዘየለ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment