ተርኪ ካብ 2023 ጀሚራ ብሸነኽ ፀሊም ባሕሪ ኣቢላ በቢዕለቱ 10 ሚሊየን ሜትሪክ ኪዩቢክ ጋዝ ተፈጥሮ ክተእትይ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተርኪ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2023 ጀሚራ ብሸነኽ ፀሊም ባሕሪ ኣቢላ በቢዕለቱ 10 ሚሊየን ሜትሪክ ኪዩቢክ ጋዝ ተፈጥሮ ከምእተእትይ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሬሲፕ ጣይፕ ኤርዶኻን ከምዝበልዎ፥ እቲ መጠን ጋዝ ኣብ 2026 ከብ ከምዝብል ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

ስራሕቲ መተሓላለፊን ካልኦት ተግባራተን ብሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ቀዳማይ መተሓላለፊ ጋዝ 150 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ቱቦ ብውሽጢ ባሕሪ ንምትሕልላፍ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

እታ ሃገር ነዳዲ ንጎንፂ መበገሲ ክኸወን ባህጊ ከምዘይብና ምግላፆም ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment