ቻይና ኲናት ሩሲያ – ዩክሬን ብሰላም ብምፍታሕ ዕርቂ ንኽወርድ ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዩክሬን ኣፅዋራት ምልኣኽ ሳላም ኣየምፅእን፤ እኳ ደኣስ ሞስኮ ኪየቭን ተዘራሪበን ፀገመን ብሰላም ክፈትሓ ይግባእ ክትብል ቻይና ሓቲታ፡፡

ኲናት ሩሲያ-ዩክሬን ሓደ ዓመት ምድፋኑ ስዒቡ፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ነተን ሃገራ ዝምልከት መፍትሒ ሓሳብ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብ መፍትሒ ሓሳብ ድማ ሞስኮ ኲናት ጠጠው ንኽተብልን ወታደራታ ካብ ዩክሬን ክተውፅእን ምሕታቱ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ሓሳብ ብ141 ሃገራ ተቐባልነት እንትረክብ 32 ኣባል ሃገራ ውሕመ ድማ ድምፀ ተኣቀቦ ምግባረን ተሓቢሩ፡፡

ሽዱሽተ ሃገራት ኣብ ጎኒ ሩሲያ ጠጠው ብምባል እቲ ጉባዔ ዘቐመጦ መፍትሒ ሓሳብ ኣይተቐበለኦን፡፡

ቻይና ድምፀ-ተኣቅቦ ካብ ሞንጎ ዝገበራ ሃገራት ዝተቐመጠት ሃገር እንትትከውን፥ ንዩክሬን ኣፅዋራት ምልኣኽ ኲናት ካብ ምንዋሕ ወፃእ ከምፀኦ ዝኽእል ሳላም ከምዘየለ ገሊፃ፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካው ጆ ባይደን ኣብ ዩክሬን ዝቐፀለ ኲናት ሓደ ዓመት ምምልኡ ኣመልኪቶም፥ ንሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዝድግፋ ሃገራ ሓደሽቲ ማዕቐባት ከምዝንበሩ ንምሕባር ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7ን ፕሬዚዳንት ዩክሬን ዜለንስኪን ኣብ ዘካትት ጉባኤ ብመርበብ ሓበሬታ ከምዝካፈሉ ትፅቢት ኣሎ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment