ንሰራዊት ምክልኻል ኣጋርነት ምርኣይ ግቡእና ኢዩ – ነበርቲ ከተማ ሰመራን ሎጊያን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ፀላኢ ብጅግንነት ብምቅላስ ህይወቱ እናገበረ ንሕና ድማ ወገናዊ ኣጋርነትና ብተግባር ምርኣይ ግቡእና ኢዩ” ኢሎም ኣብ ክል ዓፋር ነበርቲ ከተማታት ሰመራን ሎጊያን።

ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ንስድራ ዘመትቲ ሓገዝ ናውቲን ኣብ ሆስፒታል ዱብቲ ሕክምና እናገበሩ ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት እንግዶት ምሳሕን ገይሮም።

እቶም ነበርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ካብ ሕበረተሰብ ዘተኣኻኸቡዎ ገንዘብ ምግቢ ብምስንዳእ ምሳሕ ብምእንጋድ ምስቶም ጀጋኑ ሓቢሮም ምሕላፍ ብምኽኣሎም ሕጉሳት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሕብረተሰብ ብምትሕብባር እናተገበረ ዝርከብ ኩለመዳይ ሓገዝ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን እቶም ነበርቲ ኣረጋጊፆም።

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment