ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ “ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ስልጠና ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ “ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ስልጠና ምሃብ ተጀሚሩ።

እቲ ስልጠና ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንተኸታተልቲ 10 መዓልቲታት ከምዝፀንሕ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ስነ ስርዓት መጀመሪ እቲ ስልጠና÷ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ፕሬዝዳንት ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ዛዲግ አብርሃ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ኣባላት እቲ ባይቶን ተረኺቦም።

ኣብቲ ስልጠና ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ሰላም፣ ልንዓትን ካልኦትን መበገሲ ዝገበሩ ፅሑፋት ቀሪቦም ምኽክር ክግበረሎም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment