“ንፁህ ጎደና – ናብራ ብጥዕና” ፅባቐ ከተማ ብምውሳኽ ጥዑይ ከባቢ ዝፈጥር ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተግባር “ንፁህ ጎደና – ናብራ ብጥዕና” ነበርቲ ብዘሕፍር መልክዑ ኣብ በቢ መገዲ ካብ ምንፃህ፣ ፅባቐ ከተማ ብዝውስኽ መልክዑ ጥዑይ ከባቢ ንምፍጣር ዘኽእል ኢዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መኣዲ ንሸገር ከምኡ እውን ብ ዝተፈካለዩ ስራሕቲ ልምዓት እታ ከተማ ሓሳብ ካብ ምፍልፋል ጀሚሩ እቶም ፕሮጀክታት ወሪዶም ብምምራሕ ኣዲስ ኣበባ ከም ስማ ውቅብቲን ንፅህቲን ንምግባር ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሑ ከምዝርከቡ ገሊፀን፡፡

“እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ውቅብቲ፣ ንፅህቲን ንነበርታ ምቹውቲን ናይ ምግባር ራኢኦም ኣካል ዝኾነ “ንፁህ ጎደና – ናብራ ብጥዕና” ዝብል ሓዱሽ ሓሳብ መዲና ኣፍሪካውያን ኣብ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ጀሚሮም ኣለዉ” ክብላ ገሊፀን፡፡

እቲ ተግባር ብጥዕና” ነበርቲ ብዘሕፍር መልክዑ ኣብ በቢ መገዲ ካብ ምንፃህ፣ ፅባቐ ከተማ ብዝውስኽ መልክዑ ጥዑይ ከባቢ ንምፍጣር ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን፡፡

“ንነበርታ ምችውቲ ከተማ ንምፍጣር ቀዳማይ ሚኒስትርና ኣብ ዝጀመሩዎ ተግባር፤ ልዕሊ ኹሉ መላእ ኣመራርሓናን ተጠቀምቲ ዝኾኑ ነበርቲ ከተማናን ብንቕሓት ንኽሳተፉ ፃውዒተይ ከመሓላልፍ ይደሊ” ክብላ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment