ን5 ዓመታት ዝፀንሐ መድረኽ ዘተ ኣዲስ ወግ ብመፅሓፍ ተሰኒዱ ንንባብ በቒዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብኣሰናዳእነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር “ኣዲስ ወግ” ብዝብል ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት እናተኻደ ዝፀንሐ መድረኽ ዘተ ብመፅሓፍ ተሰኒዱ ንንባብ በቒዑ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ኣደባባይ ዝንፀባረቑ ሓሳባት ናብ መድረኽ ብምምፃእ ሃገራዊ ረብሐኦም ክብ ዝበሉ ሓሳባት ዝተረኸቡሉ መድረኽ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተገበሩ ምይይጣት መንግስቲ ፖሊሲ ንምውፃእ ዓብዪ እታወት ዝኾኑሉ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ፈለማ ናይ ሓደ ዓመት ጉዕዞ ለውጢ ንምርኣይ ተሓሲቡ ዝተሰናደአ ኣዲስ ወግ÷ ቀፃልነቱ ኣድላዪ ኮይኑ ኮይኑ ’’ኣዲስ ወግ ኣንድ ጉዳይ’’ ብዝብል ወርሓዊ መድረኽ ከምዝተኻየደ ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ተዛሪበን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ’’ኣዲስ ወግ ኣቢይ ጉዳይ’’ ብዝብል መድረኽ ርብዒ ዓመት ተሰናዲኡ ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ዘተታት ከምዝተኻየዱ ገሊፀን፡፡

መድረኽ ዘተ ‘‘ኣዲስ ወግ’’ ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ኣብ ቀፃሊ ብካሊእ ትሕዝቶ ‘‘ቅኝት’’ ብዝብል ርእሲ ከምዝቕፅ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment