ኢራን ኣብ ዓውዲ ንግዲ ኣብ ሰለስተ ዓመታት 10 ቢሊየን ዶላር ኣብ ኣፍሪካ ንምፍሳስ ድሌት ኣርኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኣፍሪካ ናይ ባሕሪ ንግዲ ብምጥንኻር ክሳብ 10 ቢሊየን ዶላር መዋእለ-ንዋይ ክተፍስስ ከምትደሊ ተገሊፁ፡፡

ኢራን ብግልጋሎት ምጉዕዓዝ መርከብ ምስ ኣፍሪካ ተካይዶ ርክብ ንግዲ ባሕሪ ዕላዊ ዝገበሩ÷ ዋና ዳይሬክተር ትካል ምፍላጥ ንግዲ ኢራን ሞሓመድ ሳዴቅ ኢዮም፡፡

ፕሬዝዳንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ዚምባብዌን ሓፂር ዕላዊ ዑደት ገይሮም ዛዚሞ፡፡

እተን ሃገራት ምስ ኢራን ወሳኒ ስትራቴጂያዊ ስምምዕነት ምሕዝነት ከምዝተፈራረማ ኣር ኤፍ ኣይ ፀብፂቡ፡፡

ዑደት እቶም ፕሬዚዳንት ስዒቡ ኢራን ብቐጥታ ብትራንስፖርት ባሕሪ ምስ ኣፍሪካ ዝህልዋ ርክብ ንግዲ ንምስላጥ ኣህጉራዊ ቢሮ ንምኽፋት ትልሚ ከምዘለዋ ግላጋሎት ዜና ፋርስ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment