ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውሕመን ምትሕብባሮም ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ)ን ምትሕብባሮም ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ተወካሊ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ማርሴል ክሌመንት ኣክፖቮ ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብ ዘተኦም÷ መንግስቲ ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝውግኖም ተግባራት ብዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡

መንግስቲ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ንምኽባር ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ማርሴል ክሌመንት ብግደኦም ትካሎም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገብሮ ምንቅስቓስ ሓገዝ መንግስቲ ንኢዶም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ብምትሕብባር ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment