ኢትዮጵያን ጣልያንን ብምትሕብባር ዝተወደቡ ገበናት ተሳገርቲ ዶብ  ንምክልኻል ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጣልያንን ንትካላት ፖሊስ ሓበራዊ ስግኣት ዝኾኑ ብምትሕብባር ዝተወደቡ ገበናት ተሳገርቲ ዶብ  ንምክልኻል ተስማዕሚዐን።

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ምስ ምክትል ኣዛዚ ፖሊስ ካራቢኔሪ ጣልያን ጀነራል ሪካርዶ ጋለኤታኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምሕላው ዝሕግዙ ጀልባታት ፓትሮል ፖሊስ ብደገፍ ንምሃብን ሙያዊ ሓገዝ ንምህባርን ኢሉእውን ኣብ ኣመራርሓ ፖሊስ፣ ፎሬንሲክ ሳይንስን ፍሉይ ሓለዋን (ቪኣይፒ) ስልጠና ብምሃብ ዓቕሚ ንምህናፅ ደገፍ ከምዝገብሩ ጀነራል ሪካርዶ ጋለኤታኣ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment