ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበሩሉ ውድድር ጉያ ጎደና ዓለም ሪጋ ሎሚ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበሩሉ ኣብ ላቲቪያ ሪጋ ዝካየድ ውድድር ጉያ ጎደና ዓለም ሎሚ ክካየድ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮ ብሸውዓተ ደቂኣንስትዮ ሽዱሽተ ደቂተባዕትዮን ብድምር ብ13 ኣትሌታት ክትውከል ኢያ።
ብ5 ኪሎ ሜትሮ ውድድር እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ቀትሪ ሰዓት 5፡50 ውድድረን ከምዝገብራ ተገሊፁ፡፡
ኣብቲ ርሕቐት ሰዓት 12፡15 ዝካየድ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ዮሚፍ
ቀጄልቻና ሓጐስ ገ/ህይወት ክሳተፉ ኢዮም፡፡
ሰዓት 7፡00 ኣብ 1 ማይል ርሕቐት ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ድርቤ ወልተጂን ፍሬወይኒ ሃይሉ ዝሳተፋ እንትኾና÷ ብተመሳሳሊ ርሕቐት ሰዓት 7:10 ኣብ ዝካየድ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ታደሰ ለሚ ክሳተፉ ኢዮም፡፡
ሰዓት 7፡30 ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ጽገ ገ/ሰላማ፣ ያለምጌጥ ያረጋልን ፍታው ዘርዬ ንኢትዮጵያ ክውክላ ኢየን፡፡
ኣብቲ ርሕቐት ሰዓት 8:15 ላይ ኣብ ዝካየድ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ጀማል ይመር፣ ንብረት መላክን ፀጋዬ ኪዳኑን ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ፡፡
ኩሎም ውድድራት ብኣቆፃፅራ ሰዓት ኢትዮጵያ ቀትሪ ከምዝካየዱ ሓበሬታ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡
Comments (0)
Add Comment