ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተኻየዱ ዓለም ለኸ ውድድራት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትማሊኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተኻየዱ ዓለም ለኸ ውድድራት ዓወት ቀኒዑዎም።

ብብርኪ ዓለም ደረጃ ፕላቲኒየም ኣብ ዝተውሃቦ ውድድር ጉያ ማራቶን 2022 ደቡብ ኮሪያ ከተማ ሴኡል ብደቂ ተባዕትዮ ሞስነት ገረመው ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ተዓዋቲ ኮይኑ፡፡

ኣብቲ ውድድር ሄርጳሳ ነጋሳ ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ኢንተርናሽናል ውድድር ፍርቂ ማራቶን ካዛኪስታን ዱሻንቤ ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት በቀሉ ኣበበ ተዓዋቲት ኮይና፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ግርማ ጥላሁን ካልኣይ ደረጃ ብምውፃእ ውድድሩ ምዝዛሙ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድአ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment