ኢትዮ ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ልዕሊ 4 ሚልየን ብር ግምት ዘለዎ ናውቲታት ትምህርቲ ንትግራይ ሓጊዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ልዕሊ 4 ሚልዮን ብር ግምት ዘለዎ ናውቲ ትምምህርቲ ንተምሃሮ ከተማ እንትጮን ከባቢኣን ሓጊዙ።

ኣብቲ ስነስርዓት ርክኽብ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ፥ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ኣብያተ ትምህርቲ ዓንየን፣ መምህራንን ተምሃሮን ድማ ተሰዲዶም ኢዮም ኢሎም።

ስርዓተ ትምህርትና እውን ተዛቢዑ እዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ዝበፅሐና ጉድኣት ሰፊሕ ብምዃኑ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ንምድጋፍ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ተላቢዮም።

ካልኦት ትካላት እውን ኣሰር ናይቲ ትካል ክስዕቡ ፀዊዖም።

ኣካያዲ ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ኣይተ ሙሉ ወልደስላሴ ብወገኖም፥  ኢትዮ ቴሌኮም ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ጠመተ ጌሩ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ”ተስፋታት ፅባሕ ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህፃናት ትግራይ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃኢ ንከይኾኑ ብምሕሳብ ኣስታት 66 ሽሕ ደፍተር ንከተማ እንትጮን ከባቢኣን ሓገዝ ከምዘበርከተ ምግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ተግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment