ኣሜሪካ ሰላም ኢትዮጵያ ዝህውኹ ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ ተደለይቲ ኣሕሊፋ ብምሃብ ምትሕብባር ንክትገበር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ሰላም ኢትዮጵያ ዝህውኹ ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ ተደለይቲ ኣሕሊፋ ብምሃብ ምትሕብባር ንክትገበር ተሓቲቱ።

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ዘቲዮም።

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ቢሮ ምርመራ ፌዴራል ኣሜሪካ  (ኤፍ ቢ ኣይ) ዘለዎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር እቶም ኣምባሳደር ግደኦም ክዋፅኡ እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣሜሪካ ብፍላይ ሰላም ኢትዮጵያ ዝህውኹ ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ ተደለይቲ ኣሕሊፋ ብምሃብ ምትሕብባር ንክትገበር ሓቲቶም።

ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ብግደኦም፥ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝድለዩ ገበነኛታት ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ብምሃብ ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ አመስጊኖም።

ሃገሮም ንፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ደገፍ ንክትገብር ግደኦም ከምዝገብሩ ምዝራቦም ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment