ኣሜሪካ ንታይዋን ናይ 200 ሚሊየን ዶላር መሸጣ ኣፅዋር ኲናት ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንታይዋን ናይ 200 ሚሊየን ዶላር መሸጣ ኣፅዋር ኲናት ፀረ ታንኪ ውዕል ኣፅዲቑ።

እቲ ስምምዕነት ናይ ታይዋን ዘርፈ ብዙሕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምጉልባት ዓብዪ ግደ ከምዘበርከት ተገሊፁ።

እቲ ውዕል ኣብ መነጎ ታይዋንን ቻይናን ልዑል ውጥረት እናተፈጠረ ኣብ ምምፃእ ኣብ ዘሎ እዋን ዝተፈፀመ ኢዩ ተባሂሉ።

ናይ ታይዋን መከላከያ ሚኒስቴር ብግድኡ፥ እቲ ዝተገበረ ውዕል ሽይጣት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ተግባራዊ ክግበር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ኢሉ ከበል ኣር ቲ  ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment