ኣሜሪካ ካብ ወፃኢ ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ዘቐመጠቶ መዐቀኒ ምርመራ ኮቪድ-19 ኣልዒላ

ኣዲስ ኣበባ፣4 ሰኔ ፣2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣሜሪካ ካብ ወፃኢ ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ኣየር ኣንቢራቶ ዝነበረት ሕጊ ምርመራ ኮቪድ-19 ኣልዒላ።

እቲ ሕጊ ዝተልዓለ እታ ሃገር ንምክልኻል ኮቪድ-19 ብዝገብረቶ ፃዕሪ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ምምሕያሽ ምርኣዩ ስዒቡ ምዃኑ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊፆም።

ኢንዱስትሪ ጉዕዞ ወፃኢ እታ ሃገር ሕጊ ምርመራ ኮቪድ-19 ንክለዓል ድፍኢት ይገብር ምንባሩ ዝተገለፀ ኾይኑ፥ ብፍላይ ድማ ናብ ኣሜሪካ ዝኸዱ ሰባት ኣቐዲሞም ቦታ ንምሓዝ ብምኽንያት እቲ መዐቀኒ ክፅገሙ ምንባሮም ተገሊፁ።

ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት እታ ሃገር ውሳነ ኮቪድ ፖሊሲኡ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልትታት ዳግማይ ክግምግሞ እዩ ዝተብሃለ ኾይኑ፥ ሓደሽቲ ዝርገሐ ኮቪድ ዝርአዩ እንተኾይኖምን እቶም ሰበስልጣን ኣድላይ እዩ ኢሎም እንተኣሚኖምሉን እቲ ሕጊ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ይኽእል እዩ እውን ተባሂሉ።

ሓደ ብዓልስልጣን ኣሜሪካ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ “ነዚ ስጉምቲ ክንወስድ ዝኸኣልና ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ብዝገበርናዮ ልዑል ፃዕሪ እዩ” ኢሎም።

ህይወት ኣድሕን ዝኾኑ ክታበታትን ሕክምናታትን ብስፍሓት ተባፃሕቲ ገይርና ኢና ዝበሉ እቶም በዓል ስልጣን፥ እዞም ክታበታትን ሕክምናታትን ሕማማትን ሞትን በቲ ቫይረስ የትርፉ ኣለዉ ምባሎም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment