ኣምባሳደር ብርሃኑ ምስ ሓላፊት ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ጅቡቲ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ምስ ሓላፊት ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ጅቡቲ ታንጆ ፓስፊኮ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ጅቡቲ እናተጋደደ ዝመፅአ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምክልኻል ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ኣብ ዝግብኡ ጉዳያት ተመያይጦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መዕቖቢ ፍልሰተኛታት ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላው ዝወሃቡ ግልጋሎታት ምምሕያሽ ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ተዛቲዮም፡፡

ክልቲኦም ወገናት ሕሰም ስደት ንሕብረተሰብ ምግንዛብ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment